Cookies

Deze website maakt gebruik van cookies. Wij verzoeken u cookies te accepteren. Meer info

Foto stopcontact


ኣብ ድረኽትስቴደን ንዝርከቡ ስድራቤታት፡ ኣብ 2022 ዝውሃብ ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት

ካብ ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ፡ ነበርቲ ድረኽትስቴደን ንሓደ ግዜ ዝኽፈሎም ኣበል-ጸዓት ክጠልቡ ይኽእሉ። ጠለብ ምቕራብ ክሳዕ

31 ታሕሳስ 2022 ዓ.ም ክግበር ይክኣል’ዩ።


እዚ ንመን ኢዩ፧

እዚ ሓደ ግዜ ዝኽፈል ኣበል-ጸዓት፡ ነቶም ነበርቲ ድረኽትስቴደን ኮይኖም፡ ኣታዊኦም ትሕቲ 130% ናይቲ ሕጋዊ

ማሕበራዊ ትሕቶ (ሚኒሞ) ዝኾኑ ኢዩ ዝኽፈል። እቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጡ እንተድኣ ደሊኹም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ርኣዩ። እዚ ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት ንትካላት ኣይምልከትን ኢዩ።

ኣብ ድረኽትስቴደን ንዝርከቡ ስድራቤታት፡ ኣብ 2022 ዝውሃብ ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት

እዚ ኣበል-ጸዓት ዝበሃል እንታይ ኢዩ፧

ዋጋታት ጸዓት ይውስኹ ኣለዉ። ስለዚ ድማ ኢዩ እዚ መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ደረጃ ማሕበራዊ ትሕቶ ወይ ቊሩብ ልዕሊኡ ዝኾነ ኣታዊ ዘለዎም ስድራቤታት፡  ነቲ ናይ ጸዓት ሕሳብ ንምኽፋል ዝሕግዞም ገንዘብ ንኽህቦም ኣብ 2022 ኣዳልዩ ዘሎ። እዚ መንግስቲ፡ ነዚ ናይ ጸዓት

ክፍሊት፡ ሓደ ግዜ ዝኽፈል ኣበል-ጸዓት ኢሉ ይጽውዖ። እዚ መደብ’ዚ፡ ንእዘን ሸውዓተ ምምሕዳራት ድረኽትስቴደን (ኣልብላሰርዳም፡ ዶርድሬኽት፡ ሃርዲንክስቨልድ-ኺሰንዳም፡ ሄንድሪክ-ኢዶ-ኣምባኽት፡ ፓፐንድሬኽት፡ ስሊድሬኽትን ዝዋይንድሬኽትን) ወኪሉ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድረኽትስቴደን ይትግበር።


እቲ ናይ 2022 ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት ንመን ኢዩ፧

እቲ ናይ ሓደ ግዜ ናይ ኣበል-ጸዓት፡ ንእቶም ኣታዊኦም ትሕቲ 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ (ወይ.ኤስ.ኤም) ዝኾኑ ነበርቲ ድረኽትስቴደን ዝኽፈል ኢዩ። እቲ ማሕበራዊ ትሕቶ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጡ እንተድኣ ደሊኹም፡ ኣብ ገጽ 6 ናይዚ ጽሑፍ ወይ ክኣ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ርኣዩ። እዚ ኣበል-ጸዓት ንትካላት ኣይኮነን።

መዓስ ኢዩ እቶተይ ትሕቲ 120% ካብቲ ማሕበራዊ ትሕቶ ዝኸውን፧


ኣነባብራኻ

ዝለዓለ ወርሓዊ እቶትካ፡ ምስ ኣበል-ዕረፍቲ

ዝለዓለ ወርሓዊ እቶትካ፡ ምስ ኣበል-ዕረፍቲ

ንጽል ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€1,363.05 €1,434.79         
ንጽል ወላዲ ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€1,363.05€1,434.79
በዓል ሓዳር ወይ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ትነብር ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€1,947.21€2,049.70
ንጽል ኮይንካ፡ ጡረታ ዝወጻእካ እንተኾይንካ€1,516.96€1,596.80
በዓል ሓዳር ወይ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ትነብር ኮይንካ፡ ጡረታ ዝወጻእካ እንተኾይንካ€2,060.21€2,168.64

ኣገዳሲ፡ እዞም ኣብዚ ገጽ እዚ ዝርከቡ ዋጋታት፡ ጽሩያት ዋጋታት (ቀረጽ ዘይክፈሎም) ኢዮም፡ ካብ 31 ታሕሳስ 2022 ክኣ የገልግሉ።

መዓስ ኢዩ እቶተይ ትሕቲ 130% ካብቲ ማሕበራዊ ትሕቶ ዝኸውን፧


ኣነባብራኻ

ዝለዓለ ወርሓዊ እቶትካ፡ ምስ ኣበል-ዕረፍቲ

ዝለዓለ ወርሓዊ እቶትካ፡ ምስ ኣበል-ዕረፍቲ

ንጽል ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€1,476.64€1,554.36
ንጽል ወላዲ ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€1,476.64€1,554.36
በዓል ሓዳር ወይ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ትነብር ኮይንካ፡ ዕድመኻ ካብ 21 ዓመት ክሳዕ ዕድመ ጡረታ እንተኾይኑ€2,109.48€2,220.50
ንጽል ኮይንካ፡ ጡረታ ዝወጻእካ እንተኾይንካ€1,543.38€1,729.87
በዓል ሓዳር ወይ ምስ ካልእ ሰብ ብሓባር ትነብር ኮይንካ፡ ጡረታ ዝወጻእካ እንተኾይንካ€2,231.89€2,349.36

ኣገዳሲ፡ እዞም ኣብዚ ገጽ እዚ ዝርከቡ ዋጋታት፡ ጽሩያት ዋጋታት (ቀረጽ ዘይክፈሎም) ኢዮም፡ ካብ 31 ታሕሳስ 2022 ክኣ የገልግሉ።

እቲ ናይ ሓደ ግዜ ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት፡ ክንደይ ይበጽሕ፧

መጠን ናይቲ ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት፡ ኣብ መጠን ናይቲ ኣታዊ ይምርኮስ። ኣታዊኻ ክሳዕ 120% ናይቲ ሕጋዊ

ማሕበራዊ ትሕቶ (ወይ.ኤስ.ኤም) እንተድኣ ኾይኑ፡ እቲ ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት €1300 ይኸውን።  ኣታዊኻ ኣብ ሞንጎ

120% ን 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ  (ወይ.ኤስ.ኤም) እንተድኣ ኾይኑ ክኣ፡ እቲ ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት €600

ይኸውን። እዚ ጕጅለ ነበርቲ፡ እብ ርእስ’ዚ ናይ ሓደ እዋን ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት፡ ካልእ €300 ወይ €500  ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት ይረክብ። እዚ ኣብቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ኢዩ ዝምርኰስ።

ምውሳኽ ኣበል-ጸዓት ንኣታዊኦም ኣብ መንጎ 120%ን 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ ዝኾኑ ነበርቲ

ንእቲ ንኣታዊኦም ኣብ መንጎ 120%ን 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ (ወይ.ኤስ.ኤም) ዝኾኑ ነበርቲ ዝኽፈል €600 ወሰኽ ንምግባር ተወሲኑ ኣሎ። እቲ መጠን ክፍሊት ኣብቲ ትነብረሉ ምምሕዳር ኢዩ ዝምርኰስ። እዚ ክፍሊት፡ ብ5 ታሕሳስ 2022 ብቐጥታ ክኽፈል ኢዩ። ንእቶም ድሕሪ 5 ታሕሳስ 2022 ቀዳማይ ጠለብ ዘቕርቡ፡ እሞ ንእዚ €600 ተወሳኺ ኣበል-ጸዓት ንምቕባል መሰል ዘለዎም፡ ሓንሳእ ክኽፈል ኢዩ።

እቲ ንኣታዊኦም ኣብ መንጎ 120%ን 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ ዝኾኑ ነበርቲ ሓደ ግዜ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ክንደይ ኢዩ፡ በብምምሕዳሩ፧

ኣልብላሰርዳም€300,- (ብድምር ክኣ € 900,-)
ዶርድሬኽት€300,- (ብድምር ክኣ € 900,-)
ሃርዲንክስ ፈልድ-ኺሰንዳም€300,- (ብድምር ክኣ € 900,-)
ሀንድሪክ-ኢዶ-ኣምባኽት€300,- (ብድምር ክኣ € 900,-)
ፓፐንድሬኽት€500,- (ብድምር ክኣ € 1.100,-)
ስሊድሬኽት€300,- (ብድምር ክኣ € 900,-)
ዝዋይንድሬኽት€500,- (ብድምር ክኣ € 1.100,-)

ስለምንታይ ኢዮም ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ዝፈላለዩ መጠናት ገንዘብ ዝኽፈሉ

ነፍስወከፍ ኣብ ድሬኽትስቴደን ትርከብ ምምሕዳር፡ ባዕላ ነቲ መጠን ተወሳኺ ኣበል ጽዓት ክትውስኖ ትኽእል ኢያ።


ንእዚ ምውሳኽ ኣበል-ጸዓት ንምርካብ ጠለብ ከቕርብ ኣሎኒ ዲዩ፧

ኣይፋልን። እቶም ንእቲ ናይ ሓደ እዋን ኣበል-ጸዓት ንምርካብ መሰል ዘለዎም ነበርቲ ድሬኽትስቴደን፡  እቲ ተወሳኺ ክፍሊት ብቐጥታ ይኽፈሎም። እዚ ክኣ ብጽሑፍ ይሕበሮም።


እዚ ህያብ ዲዩ፧

እወ፣ እዚ ህያብ ኢዩ። እዚ ማለት፡ ክትመልሱዎ ኣየድልየኩምን ኢዩ።

ኣነ ኣ.ኦ.ወይ እቕበል ኢየ። ንእዚ ናይ ሓደ እዋን ኣበል-ጽዓት ይምልከተኒ ዲዩ፧

እወ። እንተድኣ ኣታዊኻ ትሕቲ 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ ኮይኑ፡ እቲ ወሰኽ ኣበል-ጽዓት ይምልከተካ ኢዩ።  እንተድኣ ኣብ 1 ሚያዝያ 2022 ኣብ ርእሲ ኣ.ኦ.ወይ ወሰኽ-ኣ.ኦ.ወይ ተቐቢልካ፡ ብቐጥታ ንእቲ ወሰኽ ኣበል-ጸዓት ትቕበል። ጠለብ ምቕራብ ኣየድልየካን ኢዩ። ንእቲ ኣብ ቊጽሪ 7 ዘሎ፡ ‘ቀጥታዊ’ ክፍሊት እንታይ ኢዩ፧ ዝብል ሓበሬታ ክኣ ርአይ።

ምስቲ ጠለብ ኣየኖት ሰነዳት ኢየ ከቕርብ ዘሎኒ፧

እንተድኣ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይትቕበል ኮይንካ፡ (ቅዳሓት ናይ) እዞም ዝስዕቡ ውሁባት ተቕርብ፡

1. ቅዳሕ ምስክር ሕጋውነት እቲ ጠላቢ፡ ከምኡ’ውን ብዓል/ቲ ቤት፡

2. ቅዳሕ ካርድ ባንክ (ቊጽሪ ሕሳብ ባንክኻ ንምርግጋጽ)

3. መረጋገጺ እቲ ናይ መወዳእታ ኣታዊኻ (ንምሳሌ፡ መረጋገጺ ደመወዝ) ናይቲ ጠላባይ፡ ከምኡ’ውን በዓል/ቲ ቤት።

‘ወግዓዊ’ ሓገዝ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ወግዓዊ ሓገዝ ማለት ቀጥታዊ ክፍሊት ማለት ኢዩ። ንብዙሓት ነበርቲ ድሬኽትስቴደን፡ ብቐጥታ ወሰኽ ኣበል-ጸዓት ተኸፊሉዎም ኣሎ።

ኣነ ካብ ዕለት 5 ሚያዝያ 2022 ጀሚረ ንማሕበራዊ ሓገዝ መሰል ኣሎኒ። እዚ ቀጥታዊ (ወግዓዊ ሓገዝ) ኣበል-ጸዓትከ ክቕበል ዲየ፧

ኣይፋል። እቲ መበገሲ ዕለት ንቐጥታዊ (ወግዓዊ) ሓገዝ ናይቲ ኣበል-ጸዓት 1 ሚያዝያ 2022 ኢዩ። ካብ ድሕሪ እዚ ዕለት እንተድኣ መሰል ተወሳኺ ክፍሊት ሓገዝ ሃልዩካ፡ ዲጂታላዊ/ጽሑፋዊ ጠለብ ከተእቱው ኣሎካ።

ምስ’ዚ ናይ ሓደ ግዜ ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት ተኣሳሲሩ፡ ዋጋ ገዛይ (ማለት ርእሰ-ማል) እውን ይርአይ ዲዩ፧

ኣይፋል፡ ርእሰ-ማል ኣብ ግምት ኣይኣቱን ኢዩ። መርመራ ገንዘባዊ-ዓቕሚ ኣይግበርን’ዩ።.

ኣነ ካብ ኣ.ኦ.ወይ.፡ ዋዮንግ፡ ኣ.ኤን.ወይ. ወይ ክኣ ኡ.ወይ.ቨይ ሓገዝ እቕበል ኢየ።

እንተድኣ ካብ ኣ.ኦ.ወይ.፡ ዋዮንግ፡ ኣ.ኤን.ወይ. ወይ ክኣ ኡ.ወይ.ቨይ ሓገዝ ትቕበል ኮይንካ፡ ናይ ኣታዊኻ መረጋገጺ ሰነዳት ምቕራብ ኣየድልየካን ኢዩ።

ኣነ ማሕበራዊ ሓገዝ እቕበል ኢየ፡ ከምኡ’ውን ህያብ ንእዚ ዝንህር ዘሎ ዋጋ ጸዓት ዝኸውን ህያብ እቕበል ኢየ። ብእዚ ምኽንያት እቲ ዝኽፈለኒ ደገፍ ክጐድል ዲዩ፧

እንተድኣ ካብ ሓደ ወግዓዊ ግብረ-ሰናይ ወይ ክኣ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድሬኽትስቴደን ሓገዝ ትቕበል ኮይንካ፡ እቲ ዝኽፈለካ ሓገዝ ኣይቍረጸካን ኢዩ። እንተድኣ ካብ ሓደ ውልቀ-ሰብ ህያብ ትቕበል ኮይንካ ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ድሬኽስቴደን ክትሕብር ኣሎካ። እንተድኣ ተጠራጢርካ፡ ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ድሬኽትስቴደን ተወከስ።

መዕበዪ-ቘልዓ፡ ነዚ ዝወሃብ ኣበል-ጸዓት ኣብ ዝሕተተሉ፡ ከም እቶት ይሕሰብ ዲዩ፧

እወ፡ መዕበዪ-ቘልዓ፡ ኣታዊ ኢዩ። ከም ኣታዊ ዝሕሰቡ ነገራት፤

• ካብ ስራሕ ዝርከብ ወይ ምስ ስራሕ ዝተኣሳሰር ኣታዊ (ደሞዝ፡ ሓለፋታት)

• ናይ ኣ.ኦ.ወይ ክፍሊት

• ብመንገዲ ኣስራሒ ዝህነጽ ጡረታን፡ ተወሳኺ ውዕላዊ ጡረታን። ካብዚ፡ እቲ ኣመልካቲ ኣብ ዓመተ 2022 ከም ውልቀ-ሰብ ንወርሒ 

€21.50፡ ወይ ከም ስድራቤት €43 ከጕድል ይኽእል። 

• እቲ ኣመልካቲ ንኻልኦት ብዝገብሮ ክንክን እንተድኣ ካብ ሓደ ፐይ.ኸይ.በይ ኣታዊ ተቐቢሉ (እዚ ክኣ ክሕበር ኣሎዎ)

 • ካብ ገዛ-ኽራይ ወይ ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር ዝርከብ ኣታዊ

• ካብ መጻምድቲ ወይ ንምዕበዪ-ቘልዓ ዝርከብ ኣታዊ

• ወቕታዊ ህያባት፡ ብፍሉይ ዝተፈቐደ እንተዘይኮይኑ 

• ካብ ወፍሪ ዝርከብ ኣታዊ፡ ከም ወለድ ወይ ብጽሒት

• ኣብቲ ሕጊ ሓፈሻዊ ‘ብሕይወት ዘለዉ ጽግዕተኛታት (ኣ.ኤን.ወይ)’ ዝተመርኮሰ ሓገዝ

• ኣብቲ ትሕቲ ‘ሓፈሻዊ ሕጊ ጡረታ ንፖለቲካዊ ሰበ-ስልጣን (ኣፓ)’ ዝተመርኮሰ ተወሳኺ ክፍሊት

• ንትምህርቲ ዝኽፈል ደገፍ (ወይ.ኤስ.ኤፍ)

ኣነ ወናኒ ውልቀ-ትካል እየ። እዚ ናይ ሓደ ግዜ ኣበል-ጸዓት ይምልከተኒ ዲዩ፧

እወ። ኣታዊኻ ትሕቲ 130% ናይቲ ሕጋዊ ማሕበራዊ ትሕቶ እንተድኣ ኾይኑ፡ እዚ ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት ይምልከተካ ኢዩ። እንተድኣ ብዕለት 1 ሚያዝያ 2022፡ ብመሰረት በይ.በይ.ዘድ 2004 ሓገዝ ተቐቢልካ፡ እቲ ኣበል-ጸዓት ብቐጥታ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ቍጽሪ 7 ዘሎ ’ወግዓዊ ሓገዝ እንታይ ማለት ኢዩ፧’ ዝብል ሓበሬታ እውን ርአይ።

እቲ ምሕታት ኣበል-ጸዓት፡ ምስ መርመራ እቶት፡ ዓመታዊ ኣሃዛት፡ ወዘተ. ተደሚሩ፡ ብኸመይ ይሰርሕ፧

  1. ነቶም ብመሰረት በይ.በይ.ዘድ 2004 ናይ መነባብሮ ኣበል ዝረኽቡ ወነንቲ ትካላት፡ እቲ ውዱእ (ዓመታዊ) እቶት፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ገንዘባዊ ዓመት ጥራይ ኢዩ ክውሰን ዝኽእል። ስለዚ እቶት እቲ ወናኒ ትካል፡ ካብቲ ንኣበል-ጸዓት ዝምልከት ገደብ እቶት ንታሕቲ ዲዩ ኣይኮነን፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ጥራይ ኢዩ ክውሰን ዝኽእል። 
  2. እቶም ብመሰረት በይ.በይ.ዘድ 2004 ናይ መነባብሮ ኣበል ዘለዎም ወነንቲ ትካላት፡ ብውሳነ ሰበስልጣን ተወሳኺ ክፍሊት-ጸዓት ክረኽቡ ይኽእሉ። ድሕሪ ምዝዛም እቲ ገንዘባዊ ዓመት፡  እቲ መሰል ብጭቡጥ ነይሩ ዲዩ ኣይነበረን ክምዘን ይኽእል።

ብሰንኪ’ዚ ናህሪ ዋጋታት ጸዓት፡ ፋይናንሳዊ ጸገማት ኣለኒ። ካልእ እንታይ ክገብር እኽእል፧

ንእዚ ብዝምልከት ኣብ www.socialedienstdrechtsteden.nl/energieinformatie ተመልከት፡ ወይ ድማ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ድሬኽትስቴደን ተራኸብ። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ከባብያዊ ቤት ጽሕፈት ጸዓት፡ ዝተፈላለዩ ንምዕቃብ ጸዓት ዝምልከቱ ሓፈሻዊ ሓበሬታታት ቀሪቦም ኣሎዉ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ 50 ነጥብታት ምዕቃብ ጸዓት ዝሓዘ ኤለክትሮኒካዊ መጽሓፍ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእቶም ገዛ-ኽራይ ዘሎዎም ነበርቲ ድሬኽትስቴደን ዝምልከት ክኣ፡ ብዛዕባ ዓቀብቲ ጸዓት ዝኾኑ ገዛውቲ-ኽራይ ዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ ተወሳኺ ገጽ-መርበብ ኣሎ።

ተወሰኽቲ ሕቶታት ኣሎዉኻ’ዶ፧

ንእዚ ኣበል-ጸዓት ዝምልከቱ ካልኦት ሕቶታት እንተድኣ ሃልዮሙኻ፡ ምስ ኣገልግሎት ዓማዊልና ተራኸብ።

•           ቍጽሪ ስልኪ፡ 078 - 770 89 10

•           ኢ-መይል፡  energietoeslag@drechtsteden.nl.

•           ናብቲ ኣብ ድሬኽትስቴደን ዝርከብ ስፓውቡለቫር ወይ ክኣ ናብ ሓደ ካብዞም ከባብያዊ ኣብያተ ጽሕፈትና ምጻእ፡

 

ሃርዲንክስፈልድ-ኺሰንዳም

ምምሕዳር፡ ራድሃውስፕላይን 1

ሰዓታት ስራሕ፡

ሰሉስ: ካብ ሰዓት 9.00 ክሳዕ ሰዓት 12.00 ቅድሚ-ቐትሪ

ረቡዕ: ካብ ሰዓት 1.00 ክሳዕ ሰዓት 4.00 ድሕሪ-ቐትሪ

 

ስሊድሬኽት

ቦንከላርሃውስ፡ ቦንከላርፕላይን 7

ሰዓታት ስራሕ፡

ሰኑይን ረቡዕን: ካብ ሰዓት 9.00 ቅድሚ-ቐትሪ ክሳዕ ሰዓት 1.00 ድሕሪ-ቐትሪ

ሓሙስ: ካብ ሰዓት 1.00 ክሳዕ ሰዓት 5.00 ድሕሪ-ቐትሪ

 

ፓፐንድሬኽት

ስቴርክ ፓፐንድሬኽት፡ ፌርዌኽ 127

ሰዓታት ስራሕ፡

ሰኑይ: ካብ ሰዓት 1፡00 ክሳዕ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ

ሓሙስ: ካብ ሰዓት 8፡30 ቅድሚ-ቐትሪ ክሳዕ ሰዓት 5.00 ድሕሪ-ቐትሪ